Stemma Cardinalizio

Stemma Cardinalizio
Creato Cardinale 25.05.1985

Storia personale

La mia foto
TZADUA, Paulos (1921-2003) Birth . August 25, 1921, Addifini, eparchy of Asmara of Eritreans, Eritrea. Education . Seminary of Cheren, Asmara; Italian Lyceum "Ferdinando Martini", Asmara; Catholic University of Sacred Heart, Milan, Italy (doctorate in law). Priesthood . Ordained, March 12, 1944. Pastoral work in Asmara, 1944-1946; in the mission of Guarghe, south of Addis Abeba, 1946-1949. In Eritrea, faculty member, Minor Seminary, 1949-1953; further studies, Asmara, 1949-1953; in Milan, Italy, 1953-1958. Secretary to the bishop of Asmara and to the archbishop of Addis Abeba, 1960-1961. Secretary general of the Episcopal Conference of Ethiopia. In Addis Abeba, pastoral work with university students and service as archdiocesan curia official; faculty member, University of Addis Abeba, 1961-1973.

venerdì 5 giugno 2009

ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ አቡነ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት (በባ ብሩኽ ወልደጋብር ዘማኅበረ ሲታውያን)

ካብ ባሻይ ተክለሃይማኖት ባርያኡን ወይዘሮ ኣበራሽ ገብረዝግን ብ5 ጳጉሜን 1925 ዓ.ም.ግ (10.09.1933 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ዓድብፅዖ ወረዳ መንዅሰይቲ አውራጃ ኣከለጉዛይ ሃገረ ኤርትራ ተወልዱ።
ወዲ 8 ዓመት ምስ ኮኑ ኣብ ቝምስናኦም መባእታዊ ትምህርቲ ጀመሩ። ብቆሞሶም ተሓጊዞም ብ1938 ዓ.ም.ግ (1945 ዓ.ም.ፈ.) ናብ ቤት ትምህርቲ ዘርአ ክህነት ዓድግራት ኣተዉ። ን12 ዓመት ዚአክል ምስ ተማህሩ ሓምሳይ ርእሶም ብስም ሰበኻ ዓድግራት ናብ ጥንታዊ ደብረ ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘቫቲካን ተልእኩ። ብ 6 ሓምለ 1957 ዓ.ም.ፈ ናብ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ ቫቲካን ኣተዉ። ብ1952 ዓ.ም.ግ (ብ1960 ዓ.ም.ፈ) ናይ ፍስልስፍና “ባቸለር ዲግሪ” ብ1953 ዓ.ም.ግ (ብ1961 ዓ.ም.ፈ) ናይ ፍልስፍና “ማስተረይት ዲግሪ” ብ1955 ዓ.ም.ግ (ብ1963 ዓ.ም.ፈ) ከአ ናይ ንባበ መለኮት “ባችለር ዲግሪ ተቐበሉ።
ብ11 ታሕሣስ 1957 ዓ.ም.ግ (20.12.1964 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ቫቲካን ብኢድ ብፁዕ አቡነ ያዕቆብ ገብረኢየሱስ መዓርገ ክህነት ተቐበሉ። ትምህርቶም ቀጺሎም ብወርኂ ሠነ 1957 ግዕዝ=1965 ዓ.ፈ.) ናይ ንባበ መለኮት ማስተረት ዲግሪ ንምጭባጥ በቅዑ። ድኅሪኡ ናብ ዓድፈረንሳ ናብ ከተማ ፓሪስ ተላእኩ። ንክልተ ዓመት ሥነ ሓዋርያነትን ሥነ መዕበያን (Pastoral Theology and Pedagogy) ተማሂሮም ንመኦኣርገ ዲፕሎማ በቕዑ። ነርባዕተ ወርኅን ፈረቓን ፈረንሳየኛ ኣጻርዮም ንኺምሃሩ ኣብ ከተማ ፓሪስ ጸንሑ። ብወርኂ ኅዳር 1960 ዓ.ም.ግ. (1967 ዓ.ም.ፈ) ናብታ ዝተዀስኰሱላ ገዳም መድኃኔ ዓለም ዓድግራት ተመልሱ። ሰበኻ ዓድግራት ካብ ትምሥረት 7 ዓመት ኮይኑ ነበረ። ብቐዳማይ ጳጳስ ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ አቡነ ኃይለማርያም ካሕሣይ ትመሓደር ነበረት።
ናብ ዓድግራት ምስ ኣተዉ ኣባ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት ናይ መባእታ ትምህርቲ ርእሰ መምህር ኮኑ። ንኽልተ ዓመት እውን ኣገልግሎቶም አወፈዩ። ካብ መስከረም 1962 ዓ.ም.ግ (1969 ዓ.ፈ.) ክሳብ ንመዓርገ ጵጵስና ዚሽየሙ ግን ናይ ዓበይቲ ተመሃሮ ዘርአ ክህነት ሓለቓ ብምዃን መዝነቶም ኣክየዱ። ብዘመን ክህነታዊ ኣገልግሎቶም 16 ዲያቆናት ሰበኻ ዓድግራት ናብ መዓርግ ክህነት በጽሑ። ሢመተ ጵጵስናኦም ብወግዒ ምስ ተበሠረ ክልተ መዓርግ ንፍቀ ዲቁና ዝተቀበሉ ከምዝነበሩ ኣብ ናይ መጋቢት-ሚያዝያ 1977 ጋዜጣ ብርሃን ተመዝጊቡ ይርከብ።
መዓርግ ጵጵስና
ናይ ሰበኻ ዓድግራት ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ስብሓትለአብ ብዋሕዲ ጥዕና መዝነት መሪሕነቶም ኬውርዱ ንመንበረ ጴጥሮስ ምስ ሓተቱ ር.ሊ.ጳ. አቡነ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንሕቶኦም ኣጽዲቆም ኣብ ክንዳኦም ብ2 ጥቅምቲ 1977 ዓ.ም.ግ (12.10.1984 ዓ.ም.ፈ) ነባ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት ብወግዒ 3ይ ጳጳስ ወይ ኤጳርቃ ዓድግራት ሸሙዎም። ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ጋዜጣ ብርሃን ኣብ ገጽ 2 “ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ትንቢት ሎሚ ተፈጺሙ” ይብል። ነቲ ዛንታ ዝገለጹን ናብ ጋዜጣ “ብርሃን” ዘስፈሩን ኣባ ተወልደብርሃን ተኽለሃይማኖት ከምዚ ይብሉ፦
“ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ኣታኽልቲ ቫቲካን ጽቡቕ ኣየር ንክረኽቡ ናባኡ ይመጹ ነበሩ’ሞ፣ ሓደ መዓልቲ ኣብቱ ኣታኽልቲ ምስ ኢትዮጵያውያን ተመሃርቲ ተራኸቡ። ተመሃርቲ ንር.ሊ.ጳ ዮሓንስ በብሓደ ክሳለሙዎም ከለዉ፣ ተመሃራይ ኣባ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት ከዓ ብተራኦም ተሳለሙዎም። ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ ንኢድ ኣባ ኪዳነማርያም ኣብ ኪዶም ሒዞም ፦ ‘ኣታ እንትይ እዩ’ዙይከ ምውት? እንታይ ኮይኑ እዩ ከምዙይ ኢሉ ዓቢሩ? ሥራሕ ደኾን እናበዝሖ እዩ? ወዘተ እናበሉ ነቶም ተመሃርቲ ኣስሓቑዎም። ኣብ መጨረሻ ግን፣ ‘እሞ እዙይ ዓቢይ ኪኸውን እዩ’ ኢሎም ኣሰናበቱዎም። እኒሆ እምበአርከስ ወዮ ቅዱስ ኣቦና ዝተንበዩሎም ሎሚ ተፈጺሙ ንሪኦ ኣሎና”። እንኪብሉ ምእንታኦም ክንጽሊ ብምዝኽኻር ጽሑፎም ዛዘሙ።
ኣቡነ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት ብ3 የካቲት 1977 ዓ.ም. (10.02.1985 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ካቲድራል መድኅኔ ዓለም ዓድግራት መዓርግ ጵጵስና ተቐብኡ። ዋና ቀባኢ ብፁዕ አቡነ ጳውሎስ ፃድዋ፣ ሓገዝቲ ቀባእቲ ብፁዓን አቡነ አብርሃ አቡነ ስብሓትለአብ አቡነ ዘካርያስ ነበሩ።

ትንተና ንጥፈታት ብዘመን መሪሕነት ኣቡነ ኪዳነ ማርያም ተኽለሃይማኖት

ካብታ ንመዓርግ ጵጵስና ዝተሾሙላ ዕለት ኣዚዩ ጽንኩር ብዝኾነ እዋን ኢዮም ንሰበካ ዓድግራት ብንኡድ ትዕግሥትን ጥበብን ዝመርሕዋ። ሻራ ኣልቦ ዓለምለኻዊ ተመራመርትን ተዓዘብትን ብዛዕባ አቡነ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት እዚ ምስክርነታት ከም ዝመዝገቡ ይፍለጥ፦
አቡነ ኪዳነማርያም ብዓቢይ ተወፋይነት ምእንቲ ኵስኰሳ ክህነት ሰበኻ ዓድግራት ተጋደሉ። ካብ 1985 ክሳብ 1998 ዓ.ፈ ዝነበረ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዝህብሮ 32 ዲያቆናት ሰበኻ ዓድግራት ናብ መዓርግ ክህነት በጽሑ። ኣብ ዝተፈላለየ መደብ ኃላፍነት ኣዋፊሮም ምስ ኣሥርሕዎም ካብኣቶም መሪጾም ናብ ዝለዓለ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ናብ ሞራባዊ ዓለም ይልእክዎም። ናብ ሰበኻኦም ተመሊሶም ከዓ ብብቕዓት ንምግልጋል ይዋፈሩ። ብዝሖም ካብ 10 ዚዛይድ ካህናት ሰበኻ ዓድግራት ክሳብ 1997 ዓ.ፈ ናብ ኢትዮጵያዊ ጳጳሳዊ ኮለጅ ቫቲካን ተጸንቢሮም ናብ ዝተፈላለያ ዪኒቨርሲታት ሮማ ተማሂሮም ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ትምህርቲ ከምዝበጽሑ ብናይ ቀረባ ሓበሬታ ኪፍለጥ ይከአል።
ብ1996 ዓ.ም.ፍ. ዝተሓትመ “Catholic Directory of Ethiopia and Eritrea” ከም ዚገልጾ ብዘመን አቡነ ኪዳነማርያም ብርክት ዝበላ ቍምስናታት ተመሥሪተን። ንአብነት ብ1985 ዓ.ፈ. ዝተመሥረታ ሠለስተ ቍምስናታት ካፍና ምርግዳ ማጋዑማ እንክኾና ብ1986 ከአ እንጋል ብ1989 ዝተመሥረታ ክልተ ከዓ ዳሮ ኮለተ-ግርዓና ይብሃላ።
ምስ ዚምልከቶም ኣኅሉቕ ማኅበራት ልኡካነ ወንጌል ኣፍሪቃን (white Fathers) ሳለዚያነ ናይ ዶን ቦስኮን ተዋሲኦም ልመና አቡነ ኪዳነማርያም ስለዝሠመረ እዞም ዝተጠቕሱ ገዳማውያን ኣብ ከተማ ዓድዋ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ተግባረ እድ፣ ኣብ ከተማ ውቕሮ ቤት ትምህርቲ ሞያ ንግድን ሞያ ሕርሻን ተሠሪሑ ንኡድ ኣገልግሎት የወፊ አሎ።
ብዛዕባ ኣቡነ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ መጽናዕቲ ካልእ ነገር እውን ይጠቅስ። ብ1987 ዓ.ም.ፈ ናይ ወረዳ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ተወካሊ ንምዃን ብጽሑፍ ዕድመ ቀረቦም። ንሶም ግን እቲ ፖሊቲካዊ ሥልጣን ምስ መንፈሳዊ መሪህነቶም ሃቢሩ ኪኸይድ ከምዘይኽእል ብሥነ ስርዓት አፍለጡ። ምስ ሕዝቢ ሰባኻኦም ሓቢሮም ንዅሉ ሳዕቤናት ውግእ ስለ ዝተጻወሩ ግን ብዅሉ ሕዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ከቢሮምን ተሓፊሮምን ነቢሮም።
እዚ ጉጅለ ምሁራት እዚ ትዕዝብቶም ብምቅጻል ነዚ ትንተና የቅርቡ። ኣቡነ ኪዳነማርያም ተኽለሃይማኖት ከም መጠን ጳጳስ ሰበኻ ዓድግራት ብጊዜ ደርግን ብድህሪኡ ዝመጸ መሪህነት መንግሥትን ዝተከተልዎ ኣቕዋም ምስ ናይ ካትሊክ ቤተ ክርስትያን ዝተኣሳሰረ መትከል ኢዩ። ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሰነድ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ኣብ “ታሕጓስን ተስፋን” ድርሰቱ ቍ.76 ሃይማኖትን ፖለቲካን ኵነታት ብዘፍቀደሉ ምርድዳእን ስምምዕን ተሓባቢሩ ኪሠርሕ ከምዚግባእ ይገልጽ። ብኡኡ መሠረት ከዓ ይብሉ ተዓዘብቲ ናይ ሰበኻ ዓድግራት 3ይ ካቶሊካዊ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ኪዳነማርያን ተኽለሃይማኖት ነዚ ሚዛናውን ሻራ ኣልቦን መርገጺ ወትሩ ኢዮም ዚተኸተልዎ በዚ ኸአ እዞም ስሙይ አቡን ካብ ዝኾነ ሻራ ፖለቲካዊ ሰልፊ ነፃ ነበሩ።
ነዚ መንጎይና መርገጺኦም ዚጥሕስ ተግባር እንኬጋጥም ግን ኣቡነ ኪዳነማርያም ብሥነ ስርዓት ኢዮም ዚቃወምዎ። ነዚ ንኼረድኡ እቶም ተዓዘብቲ ዚጠቅስዎ ኣብነት ንመልከት።
ሓደ እዋን ገሊኦም ናይ መንግሥቲ ሰበሥልጣን ናብዞም ስሙይ አቡን ቀሪቦም መዝግብቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንምፍታሽ ጽኑዕ ፈተነ ገበሩ። ብፅዕነቶም ግን ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ሕጋዊ ውክልና መዛግብቲ ቤተ ክርስትያን ምፍታሽ ከምዘይከአል ብልዝብነት ምስ መለሹሎም እቶም ሰበሥልጣን በታ ዝመጽዋ ተመልሱ። ተንተንቲ ታሪኽን ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣንን ክብ ብዝበለ ሞሳን ምስጋናን ኢዮም ዚዝክርዎም።

ለቡ፦ እዚ ታሪኽ እዚ ጥቀ ክቡር ኣባ ቡሩኽ ወደጋብር ወዲ ማኅበር ሲታውያን ብዕለት 8 ኅዳር 2001 ዓ.ም.ፈ ዝጸሓፍዎ እዩ።

Nessun commento:

Posta un commento